መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ካልኦት ናውቲ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ምጅማረን ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ካልኦት ናውቲ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ምጅማረን ሓቢሩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ መግብን ካልኦት ናይ ሓገዝ ናውቲ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ምጅማረን ጉዕዞ ምጅማሮም ገሊፁ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ\ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መድሃኒትን ካልኦት ሕክምናዊ ናውትን ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ክህብ ዘይምኽኣሉ ንዘቅረብዎ ክሲ ምስ ህወሓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ርክብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ትማሊ ሓሙስ ንመግቢ ዘገልግሉ ናውቲ ዝሓዛ 20 መካይን ፅዕነትን ነዳዲ ዝፀዓና ሰለስተ መካይንን ካብ ሰመራ ናብ መቐለ መገዲ ምጅማረን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ። ሰብኣዊ ሓገዛት ረዲኤት ንምዕባይ መዓልታዊ 30 ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ክግበር እዩ ክብል'ውን እቲ መግለፂ ወሲኹ ሓቢሩ።

በቲ ካብ ሰመራ ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ክልል ትግራይ ዘእቱ መገዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ ሓድሽመጥቃዕቲ ምዕፃዉ ክገልፅ ዝፀንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን ኲናት ደው ዘይምባሉ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝወረርዎም ከባብታት ከምዘይወጹን እንተኾነ ሓላፍነት ወሲዶም ይኸዱ ምህላዎምን ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይገጥምዎ ብዘለዉ ተቃ፟ውሞታትን ህዝቢ ሓዲጉዎ ይስደድ ብምህላዉን ከይፈተወ ክኸፍቶ ዝተገደደ ይመስል ኢሎም።

ካብ 7 መጋቢት2014 ጀሚሩ 17 ገበርቲ ሰናይ ትካላት መድሃኒት ሓዊሱ ናውቲ ሕክምናን ቀረባት መግብን ናብ ክልል ትግራይ ከእትዉ ከም ዝተፈቅደሎምን ልዕሊ 11 ዝኮኑ መሓዙት ትካላት 257 ሽሕን 192 ኪሎ ግራም መድሃኒት ፣ ናውትን ሕክምናን ቀረባት መግብን ብመጉዓዝያ ኣየር ምብፀሖም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ ።

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኖም ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ህዝቢ ትግራይ ን500 መዓልታት ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢቡ ምስ ካልእ ዓለም ንኸይራኸብ ተዓፅዩ ከምዝርከብን 83% ህዝቢ ትግራይ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከምዘለዎ እንዳተፈልጠ ካብ መፋርቅ፟ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ሓገዛት ረዲኤት መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘይኣተወን እቲ ቅድም ክብል ኣትዩ ዝነበረ ነዳድን መግብን ይፅንቀቅ፟ ምህላዉ ገሊፆም ።

ንመግለፂ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ንአገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝሃቡ ኮምሽነር ሓደጋን ቅድመ ድልዉነትን ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 12 መጋቢት ጀሚሩ ትካል ጥዕና ዓለም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል መድሃኒትንን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ናብ ክልል ትግራይ ከጉዓዕዝ ንዘቅ፟ረቦ ሕቶ ሚኒስትር ጥዕና 5 መጋቢት ናይ ድጋፍ ደብዳበ ከምዝሃቦን ትካሎም'ውን ትማሊ ፍቃድ ምሃቡ ኣብሪሆም ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለፂኡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዝተዋፈሩ ኩሎም ኣካላት ዝጥዕም ኩነታት ብምምዕርራይን ከምኡ'ውን ኣማራፅታት መጉዓዝያ ኣየርን ምድርን ብምስፋሕ ሰብዓዊ ድልየታት ክልል ትግራይ ምላሽ ንምሃብ መንግስቲ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጦም።