መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ጉጅለ ደቡባዊ ኑባ ሰነድ ስምምዕ ሰላም ፈሪሞም
Your browser doesn’t support HTML5
መንግስቲ ሱዳን ትማሊ ሰንበት ምስ ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ደቡባዊ ኑባ ናብ ስምምዕ ሰላም ዘምርሕ ሰነድ ተፈራሪሞም::እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተፈረመ ሰነድ ናጽነት ሃይማኖት ኩሎም ወገናት ዘረጋግጽ ከምኡ'ውን ምምሕዳር መንግስቲን ሃይማኖትን ዝፈላላይ ንስምምዕ ሰላም መንገዲ ዘጣጥሕ ሰነድ'ዩ::
መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ ምስ ኣብ ዳርፉር ዝንቀሳቀሱ ተቓወምቲ ጉጅለታት ስምምዕ ሰላም ምፍርራሙ ይዝከር::