መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝወሰዶ ስጉምቲ ንዝምድና ኣሜሪካን ሱዳንን ዘሕርፍፍ'ዩ ተባሂሉ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ሱዳን ኣብ ልዕሊ ፀረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስ ኣሜሪካ ዝህልዋ ርክባት ንምምሕያሽ እትግበሮም ፃዕርታት ከሰናኽሎ ይኽእል እዩ ክብሉ ገለ ተዓፀብቲ ኣሜሪካ ገሊጾም።

19 ታሕሳስ 2018 ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ባኒን ነዳዲን ዝተልዓለ ተቓውሞ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ከምዝነበሩ መራኸቢ ብዙሃንን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገሊፆም እዮም።

ፕረዚዳንት ዑመር ኣልበሽር እቶም ተቓወምቲ ከመዛዝኑ ዘይኽእሉ መናእሰይ እዮም፤ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ድማ ክፍትሑ እዮም ብምባል ኣብ ቀረባ መዓልታት ምዝራቦም ፀብፃብ ሮይተርስ ገሊፁ’ሎ።

ሱዳን ኣሜሪካ ንግብረሽበራ ዝምውሉ መንግስታት ኢላ ካብዝመደበተን ዝርዝር ሃገራት ንክተውፅኣ ትፅቢት ይግበር ነይሩ።