ዋሽንግተን —
መንግስቲ ሱዳን ንሃገሩ ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ንምውጻእ ቕድሚ 20 ዓመታት ብመጥቓዕቲ ኣልቓዒዳ ንዝተቐትሉ ባሕረኛታት ስድራቤት ካሕሳ ንምክፋል ምስምማዐ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ሱና ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሱና ስምምዕ ምክፋል’ቲ ካሕሳ ኣብ የካቲት 7 ምፍራሙ እንተገለጸ’ኳ እቲ ክፍሊት ክንደይ ምዃኑ ግን ኣይሓበረን። መንነቱ ክገልጽ ዘይደለየ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ምርጪ ግን እቲ ስምምዕ ሱዳን 30 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ንምክፋል ምስምማዓ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።
ኣብቲ ኣብ ጥቕምቲ 12,2000 ኣብ ደቡባዊ ክፋል ወደብ ዓደን የመን ዘጋጠመ መጥቓዕቲ 17 መርከበኛታት ክሞቱ ከለው ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ምቁሳሎም ይዝከር።
መንግስታዊ ኣገግልግሎት ዜና ሱዳን ሱና፡ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ካሕሳ ንምክፋል ዝተሰማመዐ ሱዳን ካብ ዝርዝር ሃገራት ግብረሽበራ ንምውጻእ ብምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተቐመጠ መመዘኒ ንምምላእ ንምኻኑን ንሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጹ።
ሱና መግለጺ ሚንስትሪ ፍትሒ’ታ ሃገር ኢሉ ኣብ ዝገለጾ “ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ካሕሳ ንምክፋል ምስምማዑ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ምውሳድ ማለት ከምዘይኾነ” ይሕብር።