መንግስቲ ምስ ህወሓት ብዝበጽሖ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ይበጽሕ ምህላው ዩኒሴፍ ይገልጽ

ድሕሪ ኣዋርሕ ሓገዝ ዝረኸበት ስድራ ቤት -ኣብ ክልል ትግራይ

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ዕጽው ናብ ዝነበረ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይኣትው ምህላው ሓቢሮም። ንሶም መንግስቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝበጽሖ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ሓገዛት ህይወት ኣድሕን ንኣማኢት ኣሽሓት ዝኸውን ህዝቢ ይበጽሕ ኣሎ ኢሎም።

ቤልጂየም ዝመደብሮም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ገንት ከምዝበልዎ እቲ ዝተኻየደ ውግእን ዘስዓቦ ጥምየትን ካልኦት ብተዘዋዋሪ ዘጋነፉ ሳዕቤናትን ኣስታት ፍርቂ ሚልየን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ ምሟቶም ይሕብር። እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ንምሃብ ብዝብል ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ንትግራይ ድሕሪ ምውራሮም ዘጓነፈ እዩ።

Your browser doesn’t support HTML5

መንግስቲ ምስ ህወሓት ብዝበጽሖ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ መሰረት ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ይበጽሕ ምህላው ዩኒሴፍ ይገልጽ

ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ምስ ድምፂ ኣሜሪካ ቃለ መሕተት ዘካየዱ ተወካሊ ትካል ህጻናት ኣድሕን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ጃንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ነቲ ብመዳይ መንግስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኣወጀ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ስዒቡ ለውጥታት ምህላዎም ይገልጹ። ንሶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 170 ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኻይን ናብቲ ቅድም ክብል ተዓፅዩ ዝፀንሐ ከባቢ ከምዝኣተዋን ኣብ ወርሒ ስጋብ 1000 ናይ ፅዕነት መኻይን ዝኣትዋሉ ኩነታት ክዓቢ ትፅቢት ከምዝግበን ይሕብሩ።

ሮቲግሊያኖ መጠን ተሓጋዚ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 5-ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ንዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፅበይ ምዃኑ ይሕብሩ። ከምኡ እውን ተወሳኺ 7-ሚልየን ህዝቢ ድማ በቲ ኲናትን ኣብ ዝተጠቅ፟ዓ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝርከብ ሮቲግሊያኖ ይዛረቡ።

"ዝተሰረቑ፣ዝዓነው ትሕተ ቅርጺ ዳግም ንምፅጋን ዝዓበየ ስራሕ ይፅበየና።ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ዘሎ ሕፅረት ቀረባት ድማ ቆልዑ ኣገልግሎት ጥዕናን ክታበትን ከይረኽቡ ኣፀጋሚ ይገብሮ ኣሎ።ብዙሕ ኣብያተ ትምህርቲ ስለዝተዓፀው ኣብቲ ክልል ቆልዑ ንዝገደደ ሓደጋ ምዝመዛን ፆታዊ በደልን ዝተቓልዑ እዮም።"

ከም ገምጋም ዩኒሴፍ ከባቢ 400፣000 ዝፅግዑ ህፃናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቀ፟ዩ ምህላዎም የርእይ። ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝወደቁ፟ 80,000 ህፃናት ኣብዚ ዓመት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝተገብረሎም ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ 36,500 ክነፃፃር ከሎ ኣዝዩ ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ከምዝርከብ የርእይ።


ሮቲግሊያኖን ንድምፂ አሜሪካ ከምዝበልዎ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኡ ንመግቢ ፣ ዘርኢን ዘመናዊ ድኹዒን ሓዊሱ ከም ዶክተራት ፣ ነርስታት ዝበሉን ካልኦትን ኣዝዮም ወሰንቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ወርሓዊ መሃያ ተኸፊዎም ዘይፈልጥ ሰራሕተኛታት ሲቪል ዝኸውን ገንዘብ የድሊ ። እቲ ኻልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ድማ ሕፅረት ቀረብ ነዳዲ እዩ ይብሉ።

"እዚ ዓብይ ፀገም እዩ፤ምኽኒያቱ ፀገም ነዳዲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።ዓለምለኸ ዛዕባ እዩ።ከም ዝፍለጥ ኲናት ዩክሬን ምስተላዕለ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹን ቀረብ ነዳዲ እውን ነክዩን እዩ።ስለዚ እዚ ክውንን ገጢሙና ዘሎን ዓብይ ጉዳይ እዩ።"

ሮቲግሊያኖሕፅረት ቀረብ ነዳዲ ከጋጥም ከሎ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ንዝቁ፟ፀሩ ሰባት ኣብ ምብፃሕ ህይወት አድሕን ሓገዛት ዝለዓለ ሓደጋ ከብፅሕ ከምዝኽእል የጠንቅቁ፟ ።

ገምጋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ድልየት እቲ ክልል ንምምላእ መግቢ ፣ መድሓኒትን ፣ ዘይመግባዊ ናውትን ነዳድን ዝፀዓና 100 ዓበይቲ መኻይን መዓልታዊ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዝግባእ ይሕብር።