ዋሽንግተን —
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኢሱ ዝቐፀለ ኲናት ዝመበገሲኡ ምምዝባላት ሰባትን እኹል ቀረባት ኣፋውስን ሕክምናን ብዘይምርካቦም ሰባት ብቐሊሉ ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማት ቆርበት ንዝኸፍኡ ሓደጋታት ይሳጥሑ ምህላዎ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ካብኦም ሓደ ንዝኾነ ሕማም ዓበቕ (ሽሑር) እዩ። ንሎሚ መበገሲ ሕማም ዓበቕን ሜላ መከላኸሊኡን ዝጠመተ መብርሂ ክህቡና ኣብ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ዓይደር መምህርን ሓኪምን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ኣብ ካናዳ ዩኒቨርስቲ ማክጊሊ ንዝለዓለ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዝርከቡ ዶ/ር ኣቤል ጊደይ ከበዶም ኣዘራሪብናዮም ኣሎና።