ዋሽንግተን —
ኣሜሪካዊያን ኣብ ኒው ዮርክ፣ቨርጂንያን ፔንስለቨኒያን ንዝተፈፀመን ንኣስታት 3,000 ሰባት ዝቐተለን መበል 17 ዓመት ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ መስከረም 11 ዘኪሮም ውዒሎም።
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ 40 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ካብ ግብረሽበራዊያን ኣል-ቃይዳ መሊሶም ምስተቖፃፀሩዋ ዝተሓምሸሸት ቦታ ዝኽሪ ሻንክስቪል ፔንስለቨኒያ ተሳቲፎም ኣለው።
ፕረ.ትራምፕ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ኣባላት ስድራ ‘’ናይ በይንኹም ንብዓት ኣይፈሰሰን፤እቲ ሓዘን ናይ ብምሉእ ሃገር እዩ’’ኢሎም።
Your browser doesn’t support HTML5
መበል 17 ዓመት መጥቓዕቲ መስከረም 11 ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተዘኪሩ ውዒሉ