መበል 14 ኮንፈረንስ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 14 ኮንፈረንስ ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣክሱም ተኻይዱ። ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሐ እዚ መርሃግብር ኣብ ስራሓት ቅዱስ ያሬድን ቋንቋ ግእዝን ጠመተ ዝገበሩ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተኻየዱ ምርምራትን መፅናዕትን ብተወሳኺ ምሁራን ቤተ ክርስቲያን’ውን ፅሑፍት ኣቕሪቦም::