መበል 124 ዓመት ዓወት ዓድዋ ተዘኪሩ ውዒሉ

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 124 ዓመት ዓወት ዓድዋ ተዘኪሩ ውዒሉ

መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ሎሚ ኣብ ከተማ ዓድዋ ረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ካልኦት ላዕለዎት አመራርሓን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ኸቢሩ::

እተን ፕረዚደንት ኣብ ዘስምዕኦ ዘረባ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋን ፀገም እውን ንናይ ደገ ወፃኢ ከምዝምክቱ ዘርኣየ እዩ ኢለን::

ቐፂለ እተን ረዚደንት ንሓድነትና ዝፈታተኑ ጉዳያት ኣለዉሞ ኣብዚ ሐጂ እዋን ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ መንፈስ ዓድዋ ክነሕድስ ይግበአና ክብላ ተዛሪበን::

ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ምትእትታው ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኣብ ምክልኻል ካብ ዓወት ዓድዋ ክንመሃር ይግበአና ኢሎም: ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግድብ ህዳሰ ጠሚቱ ስምምዕነት ንምፍርራም ይግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዳግም ካልእ ጌጋ ንዘይምፍፃም ካብ ውዕል ውጫለ ክንመሃር ይግበአና ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 124 ዓመት ዓወት ዓድዋ ተዘኪሩ ውዒሉ