መበል 12 ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ ተቃኒዑ

መበል 12 ዓመት ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ “ሓምላይ መሬት፡ ውሑስ ሂወት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ 15 ግንቦት, 2018 ኣብ ኤክስፖ- ኣስመራ ተቃኒዑ።

ኣብቲ ዋዕላ ሚንስትር ሕርሻ ኣቶ ኣራፋይነ በርሀ ኣብ ዘስምዖ መደረ ናይ መወዳእታ ሸቶና ልምዕትን ፍርያምን ሃገር ምህናጽ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ምግራብ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚብና ብዝያዳ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ዓድታትን ብዝያዳ ምስ ዝስራሕ ”ንሓርሶ ስቡሕ፡ዘይንሓርሶ ኸኣ ልሙዕ “ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

ኣቦ መንበር ናይቲ ሃገራዊ ወፍሪ ኣቶ ፍጹም ሓጎስ ብወገኑ፡ኣብ’ዘን 12 ዓመታት ኣፍልጦ ሕብረተሰብ እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ ኮም ዝሰረቱ ውሁድ ልምዓታዊ መደባት ብምትእትታው ዓድታት ተጠቀምትን ወነንቱን ዝኾኑሉ ስርሓት ይስርሑ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 12 ሃገራዊ ዋዕላ ሓምላይ ወፍሪ ኤርትራ ተቃኒዑ