መቐለ፡ አባይቶም ዝፈረሶም ወነንቲ ዘቕረብዎ መረረን ምላሽ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ

Your browser doesn’t support HTML5

ብ ከተማ መቐለ ምድረ ገነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከቡ ወነንቲ ኣባይቲ መንግስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ አባይቶም ከምዘፍረሰሎም ክሳብ ሐዚ መፍትሒ ኣይረኸብናን ብምባል ይሓቱ ኣለዉ። እቶም ወነንቲ አባይቲ ናብ መንግስቲ ጥርዓን እንተቕረቡ’ዃ ምላሽ ክረክቡ ከምዘይከአሉ ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝፈረሰ ገዝኦም ኣሰሩ ንምጥፋእ ብዶዘር ይፅረግ ምህላዉ ቅሬታ የቕርቡ ኣለዉ።