“መቐለ ንሳልሳይ እዋን ደብዳብ ነፈርቲ ተኻዪዱ” ሮይተርስ፣ “ፈሺሉ” ወሃብ ቃል ህወሓት
Your browser doesn’t support HTML5
ሎሚ ሓሙስ 21ጥቅምቲ 2021፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምፍጻሙን ዝደልዮ ዕላማ ምውቃዑ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ደኣ ይሓብር እምበር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ግን ዛጊት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝበጽሐ ዕንወት የለን። ብመሰረት መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ደብዳብ ላጪ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ምዃኑ ይገልጹ።