መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኾኒኖም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ብሶሉስ ኣብሓደ ሆቴልን ቤት ጽሕፈትን ብዘጋጠመ ናይ ነታጉን ተኹሲን መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምሟቶም ፖሊስ’ታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ድሕሪ ምኹናን ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ገበነኛታት ክህደኑ ምኳኖም ገሊጾም። መራሕቲ ሃገራት ዓለም’ውን ነቲ መጥቓዕቲ ብትሪ ኮኒኖንም ኣለው።