መራሕቲ ልዕሊ 100 ሃገራት ዓለም ኣብ ግብረ መልሲን ሓድሽ ስትራቴጂ ቫይረስ ኮሮና ዝዝትይ አኼባ የካይዱ ኣለው

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ልዕሊ 100 መራሕቲ ሃገራት ዓለም ብዛዕባ ንለበዳ ኮቪድ 19 ክግበር ዝግብኦ ሓባራዊ ግብረ መልስን ሓዲሽ ስትራተጂን ንምዝርራብ ናይ ክልተ መዓልታት ብርሑቅ ፍሉይ ኣኼባ ይገብሩ'ለዉ።

ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝኾነ ብረንደን ቫርማ ክገልጽ ከሎ፥ እቲ ፍሉይ ዋዕላ ኣብ መንጎ ሃገራት፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ'ውን ኣፍረይቲ ክታበት ፥ክህሉ ዝኽእል ምውህሃድ ብዝምልከት ስትራተጂ ንምድላው'ዩ ኢሉ።

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት(UNDP) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኮቪድ 19 ንተወሰኽቲ 207 ሚልዮን ናብ ሕሱም ዓዘቕቲ ድኽነት ኣጥሒሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ካልእ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ንግድን ልምዓትን ከምዘበሎ እንተኾይኑ ድማ 50 ዝኾና እተን ዝደኸያ ዝብሃላ ሃገራት ዓለም ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ርእየንኦ ናብ ዘይፈልጣ ድኽነት ይሽመማ ኣለዋ ኢሉ'ሎ።