ሃገራት ዓለም ኣብ ዱር ኣማዞን ዘጋጠመ ባርዕ ንምምካት 20 ሚሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ ቃል ምእታዎም ተፈሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ዋና ፀሓፊ ሕቡራትሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኩነታት ለውጢ ኣየር ኣብ ዙሪያ ዓለም የሕድሮ ዘሎ ፅልዋ ብዝምልከት ናይ መጠንቀቕታ ደወል የስምዑ ኣለው።

ኣብ ሻውዓይ ናይ ቶኪዮ ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ልምዓት ኣፍሪቃ ሎሚ መደረ ዘስምዑ ጉተረዝ ፅልዋ ዓለምለኸ ዋዒ ብመጠንን ጉድኣትን እናወሰኸ ጥራሕ እዩ ክኸይድ ኢሎም።

ምስ ኩነታት ኣየር ተኣሳሲሩ ይወርድ ዘሎ ዕንወት በብሰሙኑ ዝስማዕ ዘሎ ዜና ኮይኑ’ሎ፤ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዒላማ እተኾነት’ውን ዝኾነት ትኹን ሃገር ወይ ቁጠባዊ ዘፈር ካብዚ ዘምልጥ የለን ኢሎም።

ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኸ ዋዒ ዘለዋ ኣበርኽቶ ዝነኣሰ እንተኾነ’ውን ኣብ ፅልዋ ናይዚ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱ ግን ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ትርከብ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብ ፈረንሳይ ዝተኣከቡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ቀረባ ናይ ጉጅለ 7 ኣኼብኦም ክዛዝሙ ከለውኣብ ዓለም ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ነቲ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ጫካ ኣማዞን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ባርዕ ሓዊ ንምምካት 20 ሚሊዮን ዶላር ንምሕጋዝ ቃል ምእታዎም ተፈሊጡ።