መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንሩስያ ብገበን ኲናት ይኸስዋ ኣለዉ

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

ኣብ ከተማ ቡቻ ዝረኣዩ መቓብራት

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራር ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጥፍኣቱ ዝኸፍአ ይኸውን ኣሎ ። ካብ ከባቢታት ኪየቭ ዝርከባ ሓውሲ ከተማታት ዝወፁ ዘለዉ ብምስሊ ዝተደገፉ ኣብ ፅርግያ ዝወደቁ ሬሳታት ዝሓዙ ሓበሬታት ድሕሪ ምርኣይ መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንሩስያ ብገበን ኲናት ይኸስዋ ኣለዉ ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎድመር ዘለስንኪ ካብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ትሕቲ 30 ኪሎሜትሮ ርሒቃ፟ ናብ እትርከብ ከተማ ቡቻ ከይዶም ኣብ መገዲ ንዝወደቁ፟ ሬሳታት ተዓዚቦም: ገሊኦም ኣእዳዎም ንድሕሪት ምስተኣሰሩ እዮም ።

“ንምዝራቡ ዝኸብድ እዩ ኣብዚ ዝፈፀምዎ ፤ ሰባት ኣብ በርሚል ኣትዮም፣ ተሓኒቆ፟ም ዝሞቱን ኻልኦት ስቃያትን ዝተቓልዑ እዮም ። እዚኦም ገበናት ኲናት እዮም ። ዓለም ከም ምፅናት ዓሌት ኣፍልጦ ክትህቦ ይግባእ።”

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፐንታጎን እውን “ግልፂ እዩ” ሩስያ ተሓታቲት እያ ክብል ከሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድማ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ጭካነያዊ ተግባር ኮኒኖሞ ።

“ኣብ ቡቻ ዝተገብረ ዘስካሕክሕ እዩ ። ኩሉ ድማ ርእይዎ እዩ።”

ኣብቲ እዋን እዚ ተግባር ምፅናት ዓሌት ክበሃል'ዶ ይኸእል ዝብል ካብ ሪፖርተር ንዝቀ፟ረበሎም ሕቶ ባይደን “ገበን ኲናት ይመስለኒ”ክብሉ ድሕሪ ምምላሶም ተወሰኽቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከንብሩ ሓሳብ ከምዘለዎም ተዛሪቦም ።

ሩስያ ግን ነቶም ካብ ቡቻ ተረኺቦም ዝተባህሉ ምስልታት “ሓሶት “ እዩ ክትብል ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢኣ ሴርጌ ላቭሮቭ ኣቢላ ነፂጋቶ ።

"ሓይሊታት ሩስያ ብመሰረት ትልሞምን ዝተገብሩ ስምምዓትን ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምውፀኦም ወኪላት ዩክሬንን ምዕራባውያን ደገፍትታቶምን ናይ ሓሶት ቪድዮታት ኣዳልዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን ማዕከናት ዜናን በቲኖሞ ።” ኢሎም ይኹን እምበር ወተሃደራት ሩስያ ካብቲ ከባቢ ቅድሚ ምውፀኦም ኣብ ቡቻ ንሰሙናት ዝወደቁ፟ ሬሳታት ይረእዩ ምንባሮም ምስላታት ሳተላይት ይሕብሩ ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ጆን ኪርብ ብወገኖም መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢታት ኪየቭ ዝርከባ ሓውሲ ከተማታት ተኣኪቦም ዝነበሩ ወተሃደራት ሩስያ መጥቃዕቲ ዩክሬን ምስ ሓየሎም ንድሕሪት ምንስሓቦም ይዛረቡ ።

"ሓይልታት ሩስያ ንግዚኡ'ውን እንተኾነ ኣንፃር ኪየቭ ኣብቲ ከባቢ ከበድቲ መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም ።”

ምዕራባውያን ሰበስልጣናት ከምዝብልዎ ሩስያ ኣብዚ እዋን ጠመተኣ ናብ ምብራቃዊ ከባቢ ዶንባስ እያ ኣሕይላ ትርከብ ።ኣብ ቀረባ ደብዳባት ኣየርን ወተሃደራዊ ስርሒታትን ኣብቶም ከባቢታት ወሲኾም ከምዝረኣዩ ይሕብሩ ።

ሰበስልጣን ዩክሬን ብወገኖም ኣብቶም ስጋብ ሐጂ ዘይበጽሕዎም ከተማታትን ዓድታትን ዝበኣሱ ግፍዕታት ተፈፂሞም ክኾኑ ከምዝከእሉ የጠንቅቁ፟ ኣለዉ ።