ዋሽንግተን —
መራሒ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡራን ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።
ኣብቲ ርክብ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ሕብረት ኣፍሪቃ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ሱዳን ንምምስራትን ኣብ ዝካየድ ሽግግር ከምተሓጋገዝ ሓቢሮም።
Your browser doesn’t support HTML5
መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ብወገነን ሕብረት ኣፍሪቃ “ ብሲቪል ፖለቲካዊ መራሒ ዝመሓደር መሰጋገሪ” ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክምስረት ምጽውዑ ይገልጻ ኣለዋ።
ዓብደልፈታሕ ኣል ቡራን ብወገኖም ብወታሃደራዊን ሲቪላዊን መሪሕነት ዝቖመ ቤት ምኽሪ ንምምስራት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣወሃሃደቲ ተቓውሞ ሱዳን ምስ ወታሃደራዊ መራሕቲ ቤት ምኽሪ ዘካየድዎ ልዝብ ደው ምባሎም ይገልጹ ኣለው። ንሶም ነዚ ዝገለጹ ነቲ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ኣልበሽር ምምስራት ሲቪላዊ መንግስቲ ዝብል ጠለቦም ብዘይምምልኡ ነቲ ልዝብ ደው ምባሎም ሓቢሮም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን መሓመድ ኣል ኣሚን ዓብደልዓዚዝ አባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ምስ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ቅርበት ዘለዎም ብምዃኖም ማሕበሮም ተቓውሞ ከምዝቕጽል ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ንዝተኣከቡ ተቓወምቲ ገሊጾም ኣለው።