ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ተባሂሉ ዝወጽእ መምርሒታት ውሸባ፥ ንምትግባሩ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ኣብ መንጎተን ግጭት ዘስግአን ሃገራት ኣፍሪቃ ጭንቀት ይፈጥር ኣሎ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ ኣብ ምቅላስ ቫይረስ ኮሮና ዕጽዋ ዘተግብሩ 73 ሺሕ ወታሃደራት ኣዋፊሩ። እቲ ፕረዚደንት ሽዕኡ ከምዚ ኢሉ ኔሩ " ተልእኮኹም ህይወት ምድሓን`ዩ- ወጺኹም ነቶም 57 ሚልየን ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ምድሓን ግዴታ ኣለኩም።”
ካልኦት’ውን ኣብ ዙርያ ኣፍሪቃ ሓይልታት ጸጥታ መምርሕታት ውሸባ ከተግብሩን ዶባት ክርግጡን ተኣዚዞም`ውም፡ እዚ ስጉምትታት’ዚ ድማ ዝተሃናፈጸ ርእይቶታት የስዕብ ኣሎ- ወታሃደራዊ ሓይልን ፖሊስን ንህዝቢ ካብ ምሕላው ናብ ምቁጽጻር ዝተሰጋገረሉ -ታሪኻዊ ህሞት’ውን ኾይኑ’ሎ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሚያዝያ 12 ጎንጺ`ውን ኣጋጢሙ`ዩ- ፥ ወተሃደራት መንግስቲ ንሓደ ክሳብ ዝመውት ከምዝሃረምዎ ይኽሰሱ። ካልኦት ሸሞንተ `ውን ከምኡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትሉ- ናይቲ ከባቢ ጸብጻባት ይጠቕሱ።
ጃን ሲኮ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝመደበሩ ትካል ጸጥታ ዳይሬክተር`ዩ- መብዛሕቲኦም ሰራዊት ኣፍሪቃ ኣብ ምኽባር ህዝባዊ መምርሕታት ግቡእ ስልጠና ዝረኸቡ ኣይኮኑን ይብል። ንጸላኢ ከመይ ጌርካ ሃሪምካ ቦታኻ ትሕዝ ዝተማህሩ እግረኛ ወተሃደራት፡ ናብ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክመጹ ኸለዉ- ከቢድ ጉድኣት ክህልዎ ይኽእል`ዩ ብምባል፥ ንእኩብ ህዝቢ ኣብ ዝምልከት ተወሳኺ ስልጠናታት ክውሃብ ኣለዎ ይብል።
ካልእ ርእይቶ ዝሃበ ሓኪምን ዳይሬክተር ዓለማዊ ትካል ምክልኻል ተላገብቲ ሕማማትን ዶ/ር ሲሩስ ሻፓር ብወገኑ፥ ብዙሓት ናብ ሓደጋ ዘለዎ ኩነታት ዝኣቱ ሰራዊት እኹል ስልጠና የድልዮም-ምኽንያቱ ንሳቶም`ውን በቲ ሕማም ተለኺፎም ንኻልኦት ብጾቶም በቲ ሕማም ከይልክሙ ይብል።
ሚር- ሲኮ ድማ ካብ ወጻኢ ዝግበር ስልጠናታት `ውን መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ምትኳር ኣብ ካልኦት ምስ ሲቪላት ዘራኽብ ነገራት ዝምልከት ከም ሓይልታት ፖሊስ ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ምሃብ ተመራጺ`ዩ ይብል።