መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ - ፋይል

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቶም ብኮቪድ19፣ብለውጢ ኩነታት ኣየርን ካልኦት ሓደጋታትን ካብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዓለም ብመንገዲ ዳግመ ሕውየት ክትጉዓዝ ዓለምለኸ ምትሕብባር ክግበር ፀዊዖም።

ጉተርዝ ንዝሓሸ ፅባሕ ንድፊ ኣቕሪቦም ኣለው።ኣብዚ ንፋነዎ ዘለና ዓመተ 2021 ዝነበረ ስቓይ እውን ኣየንእሱዎን።

"ንመጻኢ ዝፍተኑ ተስፋታት ሒዝና ዓለም ን2022 ብደስታ ትቕበሎ ኣላ።ብዓሚቕ ድኽነትን እናገደደ ይኽየድ ብዘሎ ዘይማዕርነታውን፤ብዘይ ምዕሩይ ክፍፍል ክታበታት ኮቪድ፤ብዘይተማልአ መፅብዓ ለውጢ ኩነታት ኣየርን፣ ብዝቐፀለ ግጭት፣ኽፍፍልን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ተስፋታትና ክፍተኑ እዮም" ኢሎም።

ጉተርዝ ካብቲ ለበዳ ንምንጋፍ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይሃልው ክታበት ክረክብ ብድፍረት ትልሚ ክወፅእ፣ሃብታም ሃገራት ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዓለም ብገንዘብ፣ ብኢንቨስትመንት፣ብብምስራዝ ዕዳን ካብ ግጭት ድማ ብሓዱሽ ናይ ልዝብ መንፈስ፣ብእንካ ሃባን ዕርቅን ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ነቲ ቅልውላው ዝምጥን መፅብዓታት ብምምላእ ብኹሉ መዳይ ዳግመ ሕውየት ክግበር ፀዊዖም ኣለው።

ዋና ፀሓፉ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ሃገራት ንህዝቢ ኣብ ዝጠቅም ብሓባር ክሰርሑ ብምፅዋዕ ሓዱሽ ዓመት ንኩሉ ናይ ታሕጓስን ሰላምን ዓመት ክኸውን ተመንዮም ኣለው ።