ሕቶ ክልል ሲዳማ
Your browser doesn’t support HTML5
ሕቶ ክልል ምዃን ሲዳማ ንግዚኡ ንዘይተወሰነ እዋን ተመሓላሊፉ’ሎ: ገለ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቀሱ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ተወከልቲ ህዝቢ ሲዳማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሪፈረንደም ከምዘካይዱ ይገልጹ ኣለው።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ተሓለቕቲ ሕቶ ክልል ሲዳማ ዝኾኑ መንእሰያት ግን ድምጺ ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ይብሉ።እዚ ሲዳማ ክልል ክትከውን ዝተላዕለ ሕቶ ንፈደራል መንግስቲ በዳሂ ከምዝኸውንን ካልኦት ሸሞንተ ሕብረተሰባት’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከልዕሉ ከምዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።