ግብጺ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ አካይዳ።
እዚ ኣኼባ ዝተኻየደ መራሕቲ ተቓውሞ ሰልፊ ሱዳን ነታ ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገር ካብ ጎደናታት ክእለዩ ዘቕረብዎ ሕቶ ብምንጻግ ኣብ ካርቱም ተወሳኺ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ንምክያድ ጻውዒት ኣብ ዘቕርብሉ ጊዜ’ዩ።
ኣብ ግብጺ ዝተኣኸቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከተኣታትው ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቦ ከምዝወሰኑ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ሎሚ ሶሉስ ኣፍሊጦም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሲቪላዊ ምምሕዳር እንተዘይመስሪቱ ካብቲ ሕብረት ከምዝእገድ ዝገልጽ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ምዝዛም’ቲ ዋዕላ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ እቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት መፍትሒ ከናድይን ኩሉ ሓቆፍ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ኣብ ምምስራት ግቡኡ ከበርክት ምስምምዑ ገሊጾም።
ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሃገራት ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዲሞክራሲያዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዘድልዮ ስጉምቲ ንምውሳድ ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቦ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ተቓወምቲ ሱዳን ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር መዝነቱ ብቕልጡፍ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረኽብ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለው፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብወገኑ ዋላ’ዃ እቲ መሰጋገሪ ምምሕዳር ክሳብ ክልተ ዓመት ክጸንሕ እንተደለዩ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ድልየት ከምዘለዎም ይገልጹ ኣለው።
Your browser doesn’t support HTML5