ሕብረት ኣፍሪቃ ንጊኒ ካብ ኣባልነቱ ኣደስኪልዋ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ አዲስ አበባ

ድሕሪ ዕልዋ መንግስትን ምቕያድ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደን ሕብረት ኣፍሪቃ ንጊኒ ካብ ኣባልነቱ ኣደስኪልዋ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምኹናን እቲ ኣብታ ሃገር ንመጀመርያ ግዜ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጸ ዝበሎ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ክፍታሕ ጸዊዑ`ሎ።

እዚ ስጉምቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝስማዕ ዘሎ፡ ማሕበረሰብ ኤኮኖሚ ምዕራብ ኣፍሪቃ- ኢካዋስ`ውን ንጊኒ ካብ ኣባልነት ብምውጻእ ፡ ነቲ ኩነታት ዝግምግም ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብታ ሃገር ይልእኽ ከምዘሎ ድሕሪ ምፍላጡ'ዩ።

ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ደረት ስልጣን ዘናውሕ ሕገ-መንግስቲ ብምምሕያሹ ምልኪ እናወሰኸ መጽዩ ተባሂሉ ክንቀፍ ድሕሪ ምጽናሕ`ዩ- ዝሓለፈ ሰንበት ወታሃደራቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዶም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ ዘለዉ።