ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኣህጉር ዝኸውን ቀረብ ክታበት ቫይረስኮሮና ንምውሓስ ሰደድ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ሃገራቱ ዝፈሪ ክታበት ኮቪድ ንሽዱሽተ ሰሙን ናብ ካልኦት ሃገራት ከይሽየጥ ዝኽልክል መምርሒ ከውጽእ ይዳሎ`ሎ- እቲ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኤውሮጳ ኣሎ ዝብሃል ሕጽረት ንምቅላል ምዃኑ ተሓቢሩ`ሎ።

ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ከማርራ ዝጀመራ-ብሪጣንያዊ ሽወደናዊ ፋብሪካ መድሃኒት ኣስትራ ዘንካ ናብ ኤውሮጳ ዘከፋፍሎ ብፍርቂ ምስ ኣጉደሎ`ዩ።

እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን እንግሊዝን ዘሎ ውጥረት ዝያዳ ከየኽርሮ ተሰጊኡ`ሎ።

ብኻልእ ዜና ሆንግ ኮንግ፡ ሓደ ጽዕነት ክታበት ፋይዘር ባዮን ተክ ኣብ ኣተዓሻሽግኡ ጉድለት ስለዝረኣየት ምቕባል ደው ኣቢላቶ`ሎ- ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ብራዚል ፕረዚደንት`ታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዕቱብ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕ ሰልፊ ተኻየዱ።

እቲ ቫይረስ ክሓልፍ`ዩ ዝብል መግለጺ ዝህብ ፕረዚደንት ጃየር ቦልሶናሮ፡ ክሳብ መወዳእታ`ዚ ዓመት፡ ንኹሎም ብራዚላውያን ዝኸውል ልዕሊ 500 ሚልየን ክታበት ክህልወና`ዩ ኢሉ። እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቫይረስ ኮሮና ዝጸንሖ ኣረኣእያ-ነቶም ዜጋታት እኹል ምትእምማን ክፈጥረሎም ኣይክኣለን።