ሕ/ሃገራትን ሕ/ኣፍሪቃን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጥምየትን ግፍዒን ንምክልካል ስጉምቲ ክወስድ ዘ ኤልደርስ ዝተባህለ ትካል ጸዊዑ

  • ገብረ ገብረመድህን

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ባንኪ ሙን፣ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ፣ ዴዝሞን ቱቱ፣ፕረዚደንት ላይበሪያ ዝነበራ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ሰባት ኣባላት ዝኾኑሉ The Elders ዝተባህለ ፋውንዴሽን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ንዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ግልፂ ዝኾነ ሓደጋ ደቂኑ ኣሎ ዝበሉዎ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ንምፍታሕ ቕልጡፍ ስጉምትታት ክወስዱ ፀዊዑ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ህፁፅ ረድኤት ኣብ ትግራይ ዓፀቦ ኣሎ ኢሉ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምእዋጁ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ትካላት ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሰባት ከይሓልፊ ምኽልካሎም ጠጠው ከብሉ The Eldres ኣተሓሳሲቡ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንተበፃሕነት ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ግቡእ ስጉምትታት ክውሰድ ዝፅውዕ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ 2417 ግብረ መልሲ ሕጂ ክህብ ኣለዎ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንናይቲ ኩነታት ሓደግኡ ኣፍልጦ ክህብን ናይታ ክፍለ ዓለም ሰላምን ምርግጋእን ሓላፍነቱ ክዋፃእን ፀዊዑ ኣሎ።ኣባል እቲ The Elders ዝኾና ፕረዚደንት ሴራሊዮን ዝነበራ ኤለን ሰርሊፍ "ኣብ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዝኾነ (ኣብ ኢትዮጵያ) የጋጥም ዘሎ ናይ ሰብኣውን ሰብኣዊ መሰላትን ጥፍኣት ክፈትሕ ንሕብረት ኣፍሪቃ እፅውዕ"ኢለን።

ሃለዋት ሓይልታት ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያን ናይቲ ዞባን ምርግጋእ ብዝዓበየ የዐንቅፎ ኣሎ ዝበለ እዚ መግለፂ ጉጅለ ሸውዓተ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁ ምፅውዑ ንድግፍ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንዝፍፀም ሰፊሕ ፆታዊ ዓመፅን ፆታ መሰረት ንዝገበረ ህውከትን ንኹንን ዝበለ እዚ መግለፂ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመሩ ፀዊዑ።

ናይ The Elders አደ መንበርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላትን ዝነበራን ማሪ ሮቢንሰን "ምግሳስን ፆታዊ ዓመፅን ብስልቲ ከም ናይ ኵናት መሳርሒ ምጥቃም ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት እዩ።.....እዞም ዘይሕጋውን ዘዋርዱን ተግባራት ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝርከቡ ሓዊሱ ፍትሒ ክረጋግፅን ንቅድሚ ገበናት ንምክልኻልን ህይወትን ግዳያት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ፍትሒ ክረኽባን ኣለወን’'ኢለን።