ሕ/ ሃገራት ንሰብኣዊ ጥሕሰታት ኤርትራ የመልክት፣ ኤርትራ ትነጽግ

  • ዜና ቪኦኤ

ሎሚ ሰኑይ 6 መጋቢት፡ ኣብ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ጥሕሰታት እናተጋደድ ምኻዱን ንሱ’ውን ጠንቂ ስደተን ካልእ ምምዝባልን ኰይኑ ምቕጻሉን ተመልኪቱ። ተወካሊ ኤርትራ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ ድማ ነቲ ዝቐረበ ክስታት ብምንጻግ፡ “መቐጸልታ ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ምጥፋእ ስም’ዩ፡” ኢሉዎ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ኮሚሽነር ንሰብኣዊ ጉዳያት ናዳ ኣልናሺፍ ቤት ጽሕፈቶም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመ ንሰብኣዊ ጥሕሰታት ዝምልከት ጥርዓናት ብቐጻሊ ከም ዝቕበል ኣመልኪተን።

ኣሽሓት ዜጋታት ግዳይ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምጕስቓልን ይዀኑ ኣለዉ ዝበላ እተን ምኽትል ኮሚሽነር፡ ንዜጋታት ብምኽንያት እምነቶም ግዳይ ማእሰርቲ ምግባር ሕጂ’ውን ይቕጽል ከም ዘሎ ወሲኸን ገሊጸን።

ኣልናሺፍ ኣስዒበን፡ ጠንቂ’ቲ ተደጋጋሚ ሰብኣዊ ጥሕሰታት እቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ ኢለን። ንሰን ከም ዝጠቐስኦ ድማ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ግዴታትን ንምህዳም ዜጋታት እታ ሃገር ንስደት ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ ኢለን። ንሰን ከም ዝበለኦ ድማ ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2022 ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥራይ ብድምሩ ኣስታት 190-ሽሕ ሓተትቲ ዕቝባ ምንባሮም ኣመልኪተን።

ዝበዝሑ ካብቶም ንስደተ ዘምርሑ ዘለዉ ዜጋታት ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 18-49 ምዃኖም ሓቢረን።

ኮሚሽነር ኣልናሺፍ ኤርትራ ነቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መዕለቢ ክትገብረሉ ክትጽውዕ እንከላ፡ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዝቕበላ ሃገራትን ድማ ነቶም ዜጋታት ናብቲ ዝሃደሙሉ ቦታ ካብ ምምላስ ክቝጠባ ጸዊዐን።

ኣብ ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝቐርበ መድረኽ’ውን፡ ንዅነታት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ብዝምልከት ተጠቒሱ ነይሩ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክስሕቡ ምጅማሮም ጽቡቕ ኣብነት ምዃኑ ዝጠቐሳ ምኽትል ኮሚሽነር ኣልናሺፍ፡ እቲ መስርሕ ምሉእነት ክህሉዎን ብናይ ደገ ተዓዛብነት ክስነን ጸዊዐን። ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ንዝበለኦ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ድማ እቶም ፈጸምቲ ዝግባእ ፍርዲ ዝረኽብሉ መስርሕ ክጣየስ ጸዊዐን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ቃል ሂቡ ነይሩ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ “ኤርትራ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ዘገልግል ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዝዀነ ለውጢ ኣየርኣየተን፡ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተመዝገበ ምዕባለ’ውን የሎን፡” ኢሉ።

ብወኪል ኤርትራ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ፡ ኤርትራ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ግዳይ ተደጋጋሚ ጸለመን ስም ምጥፋእን ምዃና ተዛሪቡ። “እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ፖለቲካዊ መሳርሒ’ዩ፡” ዝበለ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ሃገር ምስ ጎረባብታ ንኸይትቕጽልን ተላፊና ከይትሰርሕን’ውን በቲ መርማሪ ኮሚሽን ተደጋጋሚ ምጕስቓል ከም ዝሰዓበ ወኪል ኤርትራ ሓቢሩ። ብወገን ኤርትራ ካብ ዝቐረቡ ምጕታት ሓደ ድማ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ወታሃደራት ሶማል’ዩ። ከም መግለጺ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ነቶም ወታሃደራት ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉ ገሊጹ ነይሩ።

ነቲ “ስም ናይ ምጥፋእ” ኢሉ ዝጸውዖ ዘመተን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን ድማ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ክሰሓብ ብምሕታት፡ “ኤርትራ ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያ ከይትወስድ ዝጻባእ’ዩ” ኢሉ።