ሕ/ሃ ግጭት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰባት የፈናቕልን ትሕቲ ቕርጺ የዕንው ምህላው ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ግጭት ንሰላማዊያን ሰባት ምፍንቓሉን ንብረትን መሰረታዊ ትሕተ-ቕርጺ ምዕናውን ቀጺሉ`ሎ ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት (ኦቻ) ኣፍሊጡ። ቁጽሪ ተፈናቐልቲ ብሰንኪ ሕጽረት ተበጻሕነት ብትኽክል ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ዝገለጸ ኦቻ፡ ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ግን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ወለጋ ጥራሕ ልዕሊ 16 ሺሕ ሰባት፡ ኣብ ዞባ ሆሩ ጉዱሩ ድማ 116,000 ከምዝተፈናቐሉ ምርግጋጾም ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ፡መንግስቲ ነቶም ተወሰኽቲ ተፈናቐልቲ ንምትእንጋድ ተወሳኺ መዕቆቢታት የዳሉ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ እንተኾነ እቲ ጠለብ ልዕሊ ዝውሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባታት ጉጂን ምዕራብ ጉጅን ዘሎ ግጭታት`ውን ንዋሕዚ ሓገዝ የተዓናቕፍ ከምዘሎ ኦቻ ኣፍሊጡ።

ጉድለት ምግብና`ውን ብፍላይ ኣብቶም ደርቂ ዝወቕዖም ከባብታት የጥቅዕ ከምዘሎ ዝገለጸ ኦቻ፡ካብ መንጎ ዝተመርመሩ ሕጻናት ዳርጋ 2% ብከቢድ ጉድለት ምግብና ዝሳቐዩ ምዃኖም ሓቢሩ`ሎ።