ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ አማውታ ፕረዚደንት ግብጺ ነበር ምርመራ ክካየድ ጸዊዑ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዋና ከተማ ካይሮ ኣብ ቤት ፍርዲ ብሃንደበት ዝዓረፉ ናይ ቀደም ናይ ግብፂ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ኣማውቱኦም ብዝምልከት ቕልጡፍ፣ነፃን ግልፅን ምርመራ ክካየድ ይፅውዕ ኣሎ።

ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፁ ፈላማይ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ንቤት ፍርዲ ቃል ምሃቦም ምስወድኡ እዮም ዝወደቑ።ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ወሃቢ ቃል ሩፐር ኮልቪል ኣማውታ ሞርሲ ንፁር ኣይኮነን ይብሉ።

ኮልቪል ብመሰረት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሰብ ብሃንደበት እንተሞይቱ ምኽንያቱ ንምፍላጥ ዓሚቕን ነፃን ምርመራ ክካየድ ይፅውዕ ይብሉ ። ብምውሳኽ ድሕነት ሞርሲ ክሕሎ ሓላፍነት ዝወሰደ መንግስቲ ነቲ ምርመራ ከካይዶ የብሉን ኢሎም ።

“ጉዳይ ሞርሲ ብዝምልከት ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለው ብቑዕ ክንክን ጥዕና ተኸልኪሎም ስለዝነበሩ ሰፊሕ ምርመራ ክካየድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለና።ጠበቓታት ብዝግባእ ኣይረኸቡን፤ምስ ስድርኦም እውን ኣይተራኸቡን።ከም ሓደ እሱር እዚ ክረኽቡ ግን መሰሎም እዩ። “

ኮልቪል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኩነታት ኣተሓሕዛ ህይወቶም ክሓልፍ ኣበርኽቶ እንተነይሩዎ ኣካል እቲ ምርመራ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ።

ሞርሲ ብወቕዒ ልቢ ምዕራፎም ሰበስልጣን ግብፂ ይገልፁ።ሶኑይ ዓሪፎም ሰሉስ እዮም ተቐቢሮም።ስድርኦም ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ክረከቡ ዝተፈቐደሎም እንተኾነው እውን ውፅኢት ውሽጣዊ ምርመራ /ኣውቶፕሲ/ ከምዘይተውሃቦም ተሓቢሩ’ሎ።ምርመራ ተገይሩሎም እንተኾይኖም እውን ርግፀኛ ኣይኮኑን ኮልቪል።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ስልጣኖም ብወታደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ዝወረዱ ሞርሲ ብሕማም ሽኮር ይሳቐዩ ከምዝነበሩን ናይ ፀላም ከብድን ኲሊትን ፀገም ከምዝነበሮምን እውን ይንገር።

ሞርሲ ንዝነበሮም ከቢድ ሕማም ግቡእ ክንክን ጥዕና ተኸልኪሎም ዝነበሩ ይመስሉ ይብሉ ኮልቪል።ብምውሳኽ ንሕልፈት ህይወቶም ምኽንያት ክኸውን ስለዝኽእል ምርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ ኢሎም ።