ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ትካላት ሻራዊ ፖለቲካዊ አጀንዳ ሒዘን ይሰርሓ ኣለዋ ንዝብል ክስታት ነጺግዎ

  • ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ስሩዓት መራኸቢ ብዙሃንን ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ትካላትን መሻርሕትን ኣብ ኢትዮጵያ ሻራዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ሒዘን ይሰርሓ ኣለዋ ክብላ ምግላፀን ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ ኢሉ።

እቲ ትካል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብኣርባዕተ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣውነት፣ ዘይሻራዊነት፣ ብዘይኣድልዎን ብነፃነት ይሰርሕ ይብል።

በዞም መትከላት እዚኦምን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውህሃድን ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽትን ኣብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ሓገዝ ንዘድልዮም ኩሎም ኣገዳሲ ሓገዝ እናገበሩ እዮም ይብል: ብምቕፃል ብጭቡጥ፣ገለልተኛ ብዘይኣድልዎን በቲ ፀገም ንዝተተንከፉ ህዝብታት ማእኸል ገይሮም ይሰርሑ ኣለው ኢሉ ።