ሕ/ሃ ቁጽሪ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ሰባት ልዕሊ 20,000 ምብጽሑ ገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተላዕለ ግጭት ምክንያት ቁጽሪ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለው ሰባት ልዕሊ 20,000 ምብጽሑ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰንበት ገሊጹ።ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት 12,500 ሰባት ናብ ሓምዳይት ሱዳን ዝሰገሩ ክኾኑ ከለው ካልኦት 7,500 ድማ ኣል ልቁዲ ዝተባህለ ቦታ ምእታዎም ተገሊጹ’ሎ።ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት ግብረ ሰናይን ማሕበረሰብ’ቲ ከባቢን ብምዃን ነቶም ስደተኛታት ሓገዝ የብርኽቱ ምህላዎም'ውን ገሊጹ’ሎ።