ሕ/ሃ ሓገዝ መግቢ ኣብ ክልል ትግራይ ይባጽሕ ከምዘየሎ ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ገሊጹ

  • Lisa Schlein
    በትረ ስልጣን

ኩነተ መግቢ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ከምዝበጽሐን፣ ሰባት ይሞቱ ከምዘለውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ልዕሊ 350 ሽሕ ህዝቢ ትግራይ ናብራ ጥምየት የሕልፉ ከምዘለውን ሓገዝ እንተዘይቀሪቡሎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ ኣጠንቂቁ ኣሎ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ካብ ሞንጎ ሞት ኣንጻላልይዎም ዘሎ እቶም 30 ሽሕ እኹል መግቢ ዘይረኸቡ ቆልዑ ምኳኖም ጠቂሱ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ መጋቢት ትካላት ረድኤት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ክረኽቡ እዮም ኢሎም ነይሮም። ኣተሓባባሪ ወፍሪታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምይ ቶምሰን ግና እቲ ቃል’ቲ ኣይተተግበረን ይብል::

"እቲ ኩነታት ንኩላትና ስራሕና ንምፍጻም ዘኽእል ኣይኮነን ዘሎ፣ ካብኡ ዝገደደ ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ተቀቲሎምና እዮም። ስለዚ ናብ ተጸበይቲ ረድኤት ንምብጻሕ ናይ ድሕነት ጸገም ኣሎና። ተጸበይቲ ረድኤት ዝተቀበልዎ ሓገዝ ብለይቲ ይዝመቱ ኣለው። ስለዚ ብወገን መንግስቲ፣ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክሳብ ዘይመጸ፣ እቲ ቅልውላው ቀጻሊ እዩ።"

ቶምሰን ወሲኹ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ’ዘን ዝቅጽላ ሰሙናት ናብ 2.6 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ንምብጻሕ ጻዕሪ ከምዝግበር ጠቂሱ ኣሎ። እዚ ክፍጸም ዝኽእል ግና መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝህብዎ ግብረ መልሲ እዩ ኢሉ።

"ኤርትራዊያን እዮም እቶም ኣዝዮም ፈጸምቲ ዘስካሕክሕ ምዕጻው መንገዲን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝፍጸም ግፍዒን። እዚ እዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑና ዘሎ። ስለዚ ምውጻእ ወትሃደራት ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ምፍኳስ ጾር እዩ። ብወትሃደራት ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን’ውን ዝፍጸሙ ዕንቅፋታት ኣለው’ዮም።"

ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ዘሕዝን ተጓንፎ ወጻኢ ይብል ቶምሰን ሕጽረት ገንዘብ’ውን ካልእ ጸገም ኮይኑ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎም ዘበን ኣብ ትግራይ ስርሑ ንምፍጻም 203 ሚልዮን ዶላር ከምዝደልይ ጠቂሱ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "ልዕሊ 300 ሽሕ ህዝቢ ናብ ደረጃ ጥምየት ወዲቆም ኣለው ብዛዕባ ዝተባሃለ፣ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ይወጹ ዘለው ሓበሬታታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣየንጸባርቁን፣ ሓረስቶት ኣብ ክረምቲ መታን ከፍርዩ ብመንግስቲ ይግበር ብዛዕባ ይግበር ዘሎ ጻዕሪ ክገልጹ ከለው፣ ዘለናሉ ወቅቲ፣ ናይ ዘርኢን ሕርሻን ወቅቲ እዩ። ካብ ታሓራሳይ መሬት እቲ 70 ሚእታዊት ተቀሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ 1.5 ሚልዮን ሓረስቶት ዝሽፍን እዩ። ድኹዒ ብሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦትን ይዳሎ ኣሎ" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።