ሓጽቢ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ንምጅማር ምምንጫው ኤለክትሪክ ሓጽቢ ዓቢይ ህዳሰ ብወግዒ መሪቖም ዝኸፈቱ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሮም ናብ ከም ሱዳንን ግብጺን ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብእኡ ኣቢላ ድማ ንኤውሮጳ ጽሩይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምዕዳል ዓለም-ለኻዊ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ክትሰርሕ`ያ ኢሎም። ግብጺ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ካርቱም ጥሒሳ ክትበል ከሲሳ`ላ።