ሓድሽ ፕረዚደንት ብሩንዲ ቃለ መሓላ ፈጺሞም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሰሙን ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ናይ ነዊሕ መራሒ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ፒየረ ንኩሪዚዛ ሓዲሽ ፕረዚደንት ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ- ።

ሓዲሽ ፕረዚድንት ብሩንዲ ኤቫሪሰ ናዳያሽሚየ ዝሓለፈ ግንቦት ብዝተገብረ ምርጫ ልዕሊ 68 % ድምጺ ብምርካብ ዝተዓወተ`ኳ እንተኾነ፥ ንዝመጽእ ነሓሰ`ዩ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም ተመዲቡ ኔሩ።

እንተኾነ ዝነበረ ፕረዚደንት ሃንደበት ብምሟቱ እቲ ስልጣን ክቀላጠፍ ክኢሉ። ንሱ `ውን በቲ ገዛኢ ፓርቲ ዝተረቑሐ`ዩ ኔሩ።