ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንስደተኛታት ተስፋ ዝሃበ ምምሕዳር ኮይኑ 

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተግበሮም ዝነበረ ንምሒር ኣሳሪ ፖሊሲታት ኢምግረሽን (ሓደሽቲ ስደተኛታት ምቅባል ሓዊሱ) ምቅልባሶም፣ ነቶም ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከቡ ተስፋ ዝሃበ ኮይኑ ኣሎ።

ተንተንቲ ብተረኦም ‘ስደተኛታት ኣብ ኣሜሪካ ተቀቢልካ ንምጥያሽ ዝካየድ ፕሮግራም ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ጊዜ ክሓትት እዩ’ ይብሉ።

ሶማልያዊ ዓብዲራዚቅ ኑር ኢብራሂም ’ንሱን ኣባላት ስድርኡን ቅድሚ 4 ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ንክሰፍሩ ዕድል ተዋሂብዎም ነይሩ። ሽዑ ፕረዚደንት ኮይኖም ቃለ መሓላ ዝፈጸሙ ዶናልድ ትራምፕ ግና ብዙሕ ከይጸንሑ፣ ንሶማልያ ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበላ ሙስሊማት ዝበዝሑወን ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ምእታው ኣይካኣልን ዝብል ትእዛዝ ከምዝፈረሙ’ ይዝክር።

ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዘብቀዐሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣብ ሓደ ዓመት ናብ ኣሜሪካ ይኣትው ዝነበሩ በዝሒ ስደተኛታት ካብ 15 ሽሕ ናብ 125 ሽሕ ክብ ክብል እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ንስደተኛታት ተስፋ ዝሃበ ምምሕዳር ኮይኑ