ሓድሽ መጥቃዕቲ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ንላዕለዋይ በዓል-መዚ እታ ሃገር ይቐትል

  • ዜና ቪኦኤ

ባይደዋ ኣብ ዝተባህለት ካብ መቓዲሾ ኣስታት 250 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ እስላማዊ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ዛጊት ክልተ ሰባት ምማቶምን ሸሞንት ምቝሳሎምን ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቡ።

ካብ መንጎ’ቶም ዝተቐትሉ ዜጋታት ናይ ደቡባዊ ዞባ ሚኒስተር ፍትሒ ሸኽ ሓሰን ኢብርሂም ሓደ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ። ካብ ስግዳን ንዝወጽእ ዝነበረ ሚኒስተር ፍትሒን መጕዳእቲ ዘትረፈ ወዱን ካብ ርሑቕ ብዝትኰስ ተፈንጃሪ ዕላማ ምንባሮም ሰብ-መዚ ጸጥታ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣል-ሸባብ ብቐጥታ ሓላፍነት ምውሳዱ ኣይሓበረን። ሰብ-መዚ ሶማል ግን ፈጻሚ'ቲ መጥቓዕቲ እቲ ጕጅለ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እስላማዊ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሶማልን ንኢትዮጵያ ዝሰግርን በብይኑ መጥቃዕታት ክፍጽም ጸኒሑ ኣሎ።

ኣል-ሸባብ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ህዝቢ ብሕጊ ሸሪዓ ከም ዝመሓደሩ እቲ ዜና ይሕብር።