ሓዳስ ፕረዚደንት ፔሩ ቅልጡፍ ምርጫ ክካየድ ይጽውዓ

  • ዜና ቪኦኤ

ሓዳስ ፕረዚደንት ፔሩ ዲና ቦሉዋረ ኣብ ክንዲ ኣብ 2026 ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ማለት እውን ኣብ ሚያዚያ 2024 ምርጫ ንምክያድ ዝሓትት ንድፊ ሎሚ ሶኑይ ናብ ኮንግረስ ከምዝቕርባ ገሊፀን።

ንሰን ነዚ ዝገለፃ ናይታ ሃገር ፕረዚደንት ነበር ፔድሮ ካስቲሎ ካብ ስልጣኖም ብምብራሮም ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ሊማ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዝተኻየደ ደማዊ ተቓውሞ ስዒቡ ሎሚ ሶኑይ ንመላእ እታ ሃገር ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረ እየን።

ዋና ዓቃቢት ሕጊን ምኽትል ፕረዚደንት ካስቲሎን ዝነበራ ዲና ቦሉዋረ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ መሓላ ፈፂመን።

ምብራር ካስቲሎ ስዒቡ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ሰልፊ ድማ ሓደ ቆልዓ ሓዊሱ ክልተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ቦሉዋረ ካብ 2016 ንደሓር ናብ መሪሕነት ዝመጻ ሻድሻይቲ ፕረዚደንት ፔሩ እየን።