ነቀምት —
ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ዝወዓለ መዓልቲ ስደተኛታት ምክንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ጋምቤላ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ህይወት ሓደ መንእሰይ ዳሕሲስና ኣለና።
ኣብ ከተማ ጋምቤላ 45 ኪ.ሜ ብሰሜን ምዕራብ ርሒቑ መዓስከር ስደተኛታት ኩሌ ደቡብ ሱዳናዊያን ይርከብ።
ካብቶም ስደተኛታት ሓደ ሃኪም ውል ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝዛዘመ ወዲ 18 ዓመት ተማሃራይ’ዩ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣትዩ ክቕጽል’ውን ዘለዎ ህንጡይነት ይገልጽ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓደ መዓልቲ ኣብ ናብራ ደቡብ ሱዳናዊ ስደተኛታት ኣብ ጋምቤላ
ሃኪም ምስ ክልተ አሓቱን አዲኡን ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ይነብሩ ከምዘለው ይገልጽ።
Your browser doesn’t support HTML5
ሓደ መዓልቲ ኣብ ናብራ ደቡብ ሱዳናዊ ስደተኛታት ኣብ ጋምቤላ