ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሰልፈኛትት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ተገሊጹ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶምን ወታሃደራት ድማ ጠያይቲ ንሰማይ ብምትኳስ ጣልቃ ምእታዎም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ይገልጹ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናዊያን ካብ ቐዳም ጀሚሮም ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት’ታ ሃገር ብምትእክኻብ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነቶም ክወርዱ ዝጠልብ ዘካይድዎ ዘለው ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰራዊት’ታ ሃገር ክሓብሮም ክሓቱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

Your browser doesn’t support HTML5

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሰልፈኛትት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ተገሊጹ

ሎሚ ሶሉስ አባላት ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶምን ወታሃደራት ድማ ነቲ ህውከት ንምህዳእ ጠያይቲ ንሰማይ ምትኳሶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

ሚንስትር ምክልካል ሱዳን ጀነራል ዓውድ ኢብነፍ ሰራዊት እታ ሃገር ናብ ህውከት ከይተምርሕ ከምዝከላከል ገሊጹ’ሎ።

“ ሰራዊት ሱዳን ጠንቂ እዞም ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ይርዳእ’ዩ። ንጠለብን ድልየት ህዝብን’ውን ኣይቓወምን እንተኾነ እታ ሃገር ናብ ህውከት ከተምርሕ ኣይፈቕድን” ክብሉ ጀነራል ኢብውድ ኢብነፍ ንኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ሱና ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ንባይቶ ገዛኢ ፓርቲ ህጹጽ ኣኼባ ትማሊ ሶኑይ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ናህሪ ዋጋታት ካብ ታህሳስ 19,2018 ጀሚሩ ዜጋታት’ታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ምጽንሖም ይዝከር።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኣብ ከተማታት ሱዳን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሸውዓተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ