ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስሓቦም ተገሊጹ

ፋይል

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ ወሰንቲ ቦታታት ምቍጽጻሩ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ ግዜ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላም ክብሉ ሰራዊቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰሓቡ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ።

ዓሰርተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ወሲዱ ንተወሳኺ 80-ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ንስደት ናብ ሱዳን ኣቓሊዑ ምህላዉ ኣገልግሎት ሮይተርስ ይጠቅስ።

ንምንስሓብ ሰራዊቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ኣመልኪቶም ዶክተር ደብረጽዮን ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝለኣኹዎ ጸብዳበ፡ በይንኣዊ ናይ ምንስሓብ ውሳነኦም ንሰላም ወሳነ ተራ ክህሉዎ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሶም።

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኦም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ደብዳበ ነፈርቲ ንምውጋድ ናብቲ ክልል በረራ ክኽልከል፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክግበርን ብሕቡራት ሃገራት ዝረጋገጽ ምንስሓብ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክግበርን ጸዊዖም።

ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክብጽሑ ከም ዘይተኻእሉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣስታት 400-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 9.4 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለዉ።

ዶክተር ደብረጽዮን ኣብቲ ንዋና ጸሓፊ ዝለኣኹዎ ደብዳበ’ውን ምስሓብ ሰራዊቶም ናብ ትግራይ ንዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ባብ ዝኸፍት ክኸውን ከም ዝጽፈዉ ጠቒሶም ኣለዉ።