መቐለ —
ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈንዩ፣ ንከተማ ኮሮም ሓዊሱ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ። ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ 50 ክሳብ 60 ኪሎ-ሜተር ዝሽፍኑ ቦታታት ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ከም ዝመዝንዝዐ ገሊጾም ኣለው።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ መግለጺ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ከምጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝቢ ክልል ኣምሓራን መጠነ ሰፊሕ ወራርን መጥቓዕትን ጀሚሩ ኣሎ። ኩሎም ኢትዮጱያዊያን ነዚ ጉጅለ ራዕዲ ንዝጀመሮ ግልጺ ወራር ከምዝኹንንዎ፣ ናይ ኩሉ ሻዕ ምሕዝነቱ አሓይሉ ከምዝቅጽል ፈጺምና ኣይንጠራጠርን ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ከምዝፈልጥዎ፣ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኣምሓራ፣ ቀጥታዊ ግዳይ መጥቓዕት’ዚ ጉጅለ ራዕዲ እዩ፣ ስለዝኾነ ቃልስና ንህልውና ህዝብናን ሉኣላዊነት ሃገርን ከምዝኾነ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንሓባራዊ ጸላኢ ብሓባር ክንፋለሞ ናይ ሓባር ጻውዒት ነቅርብ ኣለና" ይብል።
Your browser doesn’t support HTML5