ሓይልታት ሩስያ ንብርክት ዝበሉ ከተማታት ዩክሬን ደብዲቦም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ሓይልታት ሩስያ ሎሚ ረቡዕ`ውን ንብርክት ዝበላ ከተማታት ዩክሬን ደብዲቦም ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ድማ ንዝቕጽል ዙርያ ዝርርብ ቅሩባት ኢና ይብሉ`ለዉ።

መራሒ ተቓወምቲ ሩስያ ድማ ኣብታ ሃገር ንምውራር ዩክሬን ዝቃወም ሰልፍታት በብመዓልቱ ክካየድ ጸዊዑ`ሎ።

ሓይልታት ሩስያ ሎሚ ረቡዕ ንደቡባዊ ምብራቕ ወደብ ማሪዩፖል ክድብድቡ ምውዓሎም ክግለጽ ከሎ፡ ንደቡባዊት ከተማ ከርሰን ምቁጽጻሮም`ውን ይንገር ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲምር ዘሊኒስኪ፡ ትማሊ ሰሉስ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መዘክር ሆሎኮስት ንዝርከብ ናይ ተለቪዥን ታወር ከምዝሃረመ ገሊጹ`ሎ።

ካብ ኣይሁድ ዝውለድ ዘሊንስኪ፡ እቲ ደብዳብ ታሪኽና ንምድምሳስ ዝግበር ስለዝኾነ ኩሉ ክቃወሞ ይግባእ ኢሉ፡ ኣስዒቡ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ኣይሁድ ግን ስቕታ ክመርጹ ኣይግባእን፡ ምኽንያቱ ተግባራት ናዚ`ውን ካብ ስቕታ`ዩ ተወሊዱ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ክልቲኦም ወገናት ንዝቕጽል ዙርያ ዝርርብ ቅሩባት ኢና ይብሉ`ለዉ። ፕረዚደንት ዩክሬን ግን ብተወሳኺ ንልዝብ ዕድል ንምሃብ እንተወሓደ እቲ ውግእ ደው ኣብልዎ ዝብል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ`ሎ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ረቡዕ ክመክርን ሩስያ ሰራዊታ ብዝቐልጠፈ ካብ ዩክሬን ክተውጽእን ዝጽውዕ ድምጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ከምኡ ድማ እቲ ባይቶ፡ ፕረዚደንት ፑትን ኣብዚ ሰሙን`ዚ ሓይልታት ኑክሌር ሩስያ ድልውነቶም ከሐይሉ ንዝሃቦ ትእዛዝ ክኹንን ትጽቢት ይግበር።

ቅድሚ ሎሚ ዝተገብረ ፈተነ ድምጺ ባይቶ ጸጥታ፡ ሩስያ ብዘለዋ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ብምዕጋታ ክሓልፍ ኣይክኣለን።