ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ጉዳይ ኦቲዝም ሓበሬታ ዝህብ ማእከል ተጣይስ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ጉዳይ ኦቲዝም ሓበሬታ ዝህብ ማእከል ተጣይስ

ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ልምዲ ብምብጋስ ምስ ዱርትነት ዕብየት ስነኣእምሮ (ኦቲዝም) ዝነብሩ ሰባትን ናበይቶምን ሓበሬታ ክረኽብሉ ዝኽእል 'ኣልያንስ ሓበሻ ኦቲዝም' ዝብል ማእከል ኣብዚ ኣመሪካ ብሓደ ስድራቤት ተጣይሱ'ሎ።

ነዚ ማእከል ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ቨርጂንያ ከተማ ውድብሪጅ ዝመስረቱ ኣቶ በትረሙሴ ኣረጋሀኝ ምስ ኦቲዝም ዝነብር ወዲ 19-ዓመት ወላዶም ንዘድልዮ ፍሉይ ሓገዝን ዝሐሸ ህይወት ንምንዳይ ፈታኒ እዋን ምሕላፎም ይዛረቡ። ብፍላይ ምስ ከምዚ ዝበለ ውሱኑነት ዕብየት ዝነብሩ ህጻናት፤ ማሕበረሰብና ዘለዎ ርድኢትን ንምእላዩም ዘለዎ ኣፍልጦን ትሑት ብምኳኑ ኣብዚ ንምብፃሕ ከቢድ ጊዜ ምህላፎም ይገልጹ።

ስለዚ ድማ'ዮም ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ዝርከቡ ስድራቤታት ዘድልይ ሓበሬታ ክረኽቡ ዘኽእል ማእከል ብምጥያስ ነቲ ማእከል ንምፍላጥን ኣፍልጦ ምዕባይን'ውን መድረኽ አዳልዮም ኔሮም። ብዛዕባ'ቲ ማእከልን ስራሓቱን እቲ ዝተዳለወ መድረኽን ብዝምልከት ንኣቶ በትረሙሴ ኣረጋሃኝን በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ብሩኽታዊት ዘውዴን ኣዘራሪብናዮም ኣለና ።