ሓረስቶት ምብራቅ ኢትዮጵያ ካብ ቡን ምፍራይ ናብ ምፍራይ ተኽሊ ጫት ይሰጋገሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓረስቶት ምብራቅ ኢትዮጵያ ካብ ቡን ምፍራይ ናብ ምፍራይ ተኽሊ ጫት ይሰጋገሩ

ሓረስቶት ምብራቅ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ከባቢ አወዳይ ነቲ ንወለዶ ከፍርይዎ ዝጸንሑ ፍርያት ቡን ብምግዳፍ ጫት ከፍርዩ ጀሚሮም ኣለው ።

ጀማሊ ሙሳ ሓደ ካብቶም ንሕርሻ ቡን ገዲፎም ጫት ከፍርዩ ዝጀመሩ ሓረስቶት’ዩ : ንሱ እዚ ምፍራይ ጫት ዝያዳ አታዊ ከምዘሎ ይገልጽ።

“ካብ ፍርያት ጫት ብዙሕ ጥቕሚ እየ ዝረከብ ነቲ ፍርያት ካብ ሕርሻ ቦታ ምስ አእተናዮ ሽዑ ሽዑ ናብ ዕዳጋ ክንሸጦ ንኽእል ኢና ።ኣነ’ውን ተጠቓሚ ብምዃነይ ዝያዳ ንጡፍን ውጺኢታዊ ክኸውን ሓጊዙኒ’ዩ። ናብራይ ክመርሕ ክኢለ’የ” ይብል።

ንሱ ብተወሳኺ ዝበዝሑ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ንፍርያት ጫት ኣብ 2000 ዓ.ም ምጅማሮን ምክንያቱ ድማ ዋጋ ቡን ብምዝሕታሉ ምዃኑ ይገልጽ።

ዋጋ ሓደ ኪሎ ቡን 50-60 ብር’ዩ: ዋጋ ጫት ግን ንሓደ ዕታር ክሳብ 100 ብር ይበጽሕ ክብል ወሲኹ የረድእ።

ጀማል ቀጺሉ ሓረስቶት ጫት ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ከምዘእትው ቡን ግን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ጥራይ ከምዝኣትው ይሕብር።

እዚ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብ ሕጋዊ ዘይኾነ ተኽሊ ጫት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓረብ ፍቱው ኮይኑ ብብዝሒ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ኬን ያን ይፈርይ።

ኢያሱ ኩተሎ ድማ ኣቐዲሙ ንምዕቃብ ዱር ዝምልከት ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም፥ ኣብ ምፍራይ ቡንን ኣግራብ ድማ ንመጽለሊ ይቆርጹ ከምዝነበሩ ይሕብር፤።ድሒሩ ግን ተኽሊ ቡን ብሰንኪ መጽለሊ ምስኣን ይጠፍ እ ምህላው ከምዝተረድኡ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ ንኡጋንዳ ስዒባ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍርያት ቡን ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።