ሓላፊት ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ሱዳን ኣብ እዋን ተቓውሞ ንዘጋጠመ ቅትለት ሰልፈኛታት ኮኒነን

  • በትረ ስልጣን
    ዜና ቪኦኤ

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚሸል ባችለት: ኣብ ሱዳን 25 ጥቅምቲ ንዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ንክቃወሙ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ሰልፈኛታት ምቅታሎም ኮኒነኦ።

ሚሸል ባችለት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ "ቤት ጽሕፈተን፣ ሓይልታት ሱዳን ኣድላዪ ዘይኮነን ዘይመጣጠንን ሓይሊ ንከይጥቀሙ ደጋጊሙ ንመንግስቲ ሱዳን ከምዘተሓሳሰበ" ገሊጸን።

መግለጺ ሚሸል ባችለት"ናብ ዝተኣከበ ህዝቢ ጥይት ምትኳስ፣ ንብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝኾኑ ምቅታልን ምቁሳሎምን ዘጉሂ እዩ፣ ህዝቢ ንናይ ምቅዋምን ሓሳቦም ምግላጽን ዝጻባእ፣ ብዝዓበየ ድማ ንዓለምለኸ ሕጊታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ እዩ’ ይብል ።

ንእሙናት ምንጭታት ዝጠቅስ እቲ ሪፖርት፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝቆሰሉ፣ እቶም ሰማንያ ሰባት ግና ልዕሊ መዓንጠኦምን ኣብ ርእሶምን ከምዝተወቅዑ ሓቢሩ።