`ሒደት ሰባት ተኣኪብካ ፓርቲ ኢና ስለዝበልካ ፓርቲ ኣይክወንን`ዩ` - ብርቱካን ሚደቅሳ

  • መለስካቸው ኣምሃ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣደ-መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወ/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝቐውም፡ ንዝተወሰነ ክፍሊ-ሕብረተሰብ ወኪሉን ድምጹ ከምዝስማዕ ጌሩን፡ ኣብ መወዳእታ ስልጣን ኸምዝሕዝ ንምግባር`ዩ ኢላ።

“ሓደ ሰለስተ ሰባት ተኣኪብካ፡ ፓርቲ ኢና ስለዝበልካ ፓርቲ ኣይክወንን`ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት`ውን ዝስርሓሉ`ዩ።”

ቅድሚ ሳምንታት ብፓርላማ ኢትዮጵያ ብዝወጸ ኣዋጅ-ሕጊ፡ 50 ዝኾኑ ፓርትታት ፖለቲካ ኢና ዝብሉ ውዳበታት፡ እቲ ሕጊ ንዓና ዘግልል`ዩ ዝብል መረረት የስምዑ ኣለዉ።

እቲ ኣዋጅ፡ ንምዝገባ ፓርትታት ኣብ ዝምልከት ኣስፊርዎ ዝወጸ ዓንቀጽ፡ ንኽልል ዝወዳደሩ፡ ኣርባዕተ ሺሕ፡ ንሃገር-ለኸ ዝወዳደሩ ድማ ዓሰርተ ሺሕ ፊርማታት ከተኣኻኽቡ ዘገድድ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

`ሒደት ሰባት ተኣኪብካ ፓርቲ ኢና ስለዝበልካ ፓርቲ ኣይክወንን`ዩ` - ብርቱካን ሚደቅሳ