ልዕሊ 60 ነበርቲ ራማን ከባቢኣን ከተማ ክሳድ ዒቃ በጺሖም፡ተመሊሶም

ልዕሊ 60 ነበርቲ ከተማ ራማን ከባቢኣን ትማሊ ሰንበት ሩባ መረብ ተሳጊሮም ናይ ኤርትራ ከተማ ክሳድ ዒቃ ምስ ኤርትራውያን ብሓባር ውዒሎም ተመሊሶም።

ሓዱሽ ዓመትን ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብ ሩባ መረብ ሓቢሮም ንምብዓል ቆፀሮ ከምዝሓዙ እቶም ተጓዓዝቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉዕዞ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝተቐበረ ነታጒ ከይህሉ ፈቲሹ ክሓልፉ ብምግባር እውን ሓገዝ ገይሩልና ኢሎም።

እዞም ልዕሊ 60 ነበርቲ ከተማ ራማን ከባቢኣን ብሞተርሳይክል ክሳድ ዒቃ ኤርትራ በፂሖም ምምላሶም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ልዕሊ 60 ነበርቲ ራማን ከባቢኣን ከተማ ክሳድ ዒቃ በጺሖም፡ተመሊሶም