`ልዋም ቴክ-ሶልሽንስ`፡ ብወብ ኣፕሊከሽን ዘሰልጠኖም ኤርትራውያን ብሰርቲፊከት የመርቕ

Your browser doesn’t support HTML5

`ልዋም ቴክ-ሶልሽንስ`፡ ኣብ ኣሌክሳንደርያ ቨርጂንያ ዝርከብ ትካል ኮይኑ ነዚ ዘለናዮ ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን ዝምጥን ስልጠና ንኤርትራውያን ንምሃብ ዝተበገሰ ማእከል`ዩ።ነቲ ናይ ስልጠና ማእከል ዝኸፈተ ክኢላ ፕሮግራማት-ቴክኖሎጂ-ኮምፒተር ኢንጅነር የዕብዮ መስፍን፡ ዝሓለፈ ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2018 ብ `ፉል ስታክ ወብ ኣፕሊከሽን` ከምኡ`ውን `ወብ ደቨሎፕመንት` ዘሰልጠኖም ቀዳሞት ተማሃሮ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቑ`ሎ።