ልሒኹ ዝወጸ 'ፓንዶራ' ዝተባህለ ሰነድ ንሕቡእ ሃብቲ መራሕቲ ሃገራት ዓለም የቓልዕ

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ካብ ሞንጎ’ቶም ብመንነቶም ብዘይተነጸሩ ኩባንያታት፣ ዝኻዕበተ መጠን ገንዘብ ብሚስጢር አቀሚጦም ኣለው ዝባሃሉ አሻሓት ውልቀ ሰባት፣ መራሕቲ ሃገራት፣ ፖለቲከኛታትን ውሩያት ውልቀ ሰባትን ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ።

እቲ ‘ሰነድ ፓንዶራ’ ተባሂሉ ዝተጸወዐ ምውጻእ'ዚ ምስጢር፣ ኣካል’ቲ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰነዳት ትካላት ሕጊ ኮይኑ፣ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ገንዘብ ዝኽዝኑ ሰባት ዘቃልዕ’ውን እዩ።

ካብ ሞንጎ’ቶም አሰምባዲ ምኽሻሕ ሚስጢራዊ ‘ሰነዳት ፓንዶራ’ ሓደ ፕረዚደንት አዘርባጃን ኢልሓም አሊየቭን ቤተሰቦምን ዝሓብእዎ መጠን ገንዘብ ኮይኑ አሎ። ቤተሰብ አልየቭን፣ አብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት፣ ምስ መሻርኽቶም ክሳብ 544 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ንብረት ኣብ ብሪጣንያ ከምዝተዋገዩ ይሕብር። ሓላፊት ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ረቸል ዴቪስ ቲካ ብዛዕባ'ዚ ከምዚ ትብል፣ "እዚ ቤተሰብ’ዚ፣ ኣብ 1993 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንዳሓር አብ ዘሎ ጊዜ፣ ንናይታ ሃገር ኣገደስቲ ኢንዱስትሪታትን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ተቆጻጺሩዎ አሎ። እዚ ዝኾን ዘሎ ድማ ኣብ ክንዲ ረብሓ ህዝቢ’ታ ሃገር እዩ። ንህዝቢ ከይጎድአ ዝተፈጸመ ነገር አይኮነን። መራሕቲ ንጸጋታት ሃገሮም ምስ ህዝቦም ክማቀሉዎ ስለዘይካኣሉ ዝሳቀዩ ሰባት አለው።"

እቲ ልሒኹ ዝወጸ ሰነድ፣ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ ብወገኖም ኣብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም ኣባይቲ ከምዝሃነጹ ኣቃሊዑ አሎ። ንጉስ ዓብዱላህ ግና፣ ንገንዘቦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይሓብእዎ ኣሎ ንዝብል ሪፖርት ነጺጎምዎ’ዮም።

"ካብ ዝኾነ ሰብ ዝከወልክዎ ነገር የብለይን። ካብ’ዚ ዝባሃል ዘሎ ነገር ብዝበለጸ ሓያላት ኢና። ዮርዳኖስ ኣብ ዒላማ ንክትኣቱ እዚ ንፈለማ ጊዜ አይኮነን።"

ምስ ናይ ፓኪስታን ፕረዚደንት ኢምራን ካን ቀረባ ፍልጠት ዘለዎም ሚንስትር’ታ ሃገርን ቤተሰቦምን፣ ሚልዮናት ዶላራት ስግር ባሕሪ ኣስፊሮምዎ ኣለው። ካን ግና ‘ክጻረይ’ እዩ ባሃላይ ኮይኖም አለው።

ካልእ ኣብ’ዚ መርበብ ዝኣተው ቀ/ሚ ቼክ አንድረይ ባቢስ እዮም። ብዘይተፈለጠ ኩባንያ አቢሎም ኣብ ፈረንሳ 22 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ንብረት ከምዝውንኑ እቲ ሪፖርት ይሕብር። ባቢስ ሎም ቅነ አብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተጸሚዶም ኣለው። ሰንበት ኣብ ዝነበረ ክትዕ ቴለቭዥን መርገጺኦም ነጺሮም እዮም፣

"እቲ ገንዘብ ብባንኪ ቼክ እዩ ተላኢኹ። ግብሪ’ውን ተኸፊሉሉ እዩ። ገንዘበይ እዩ።ናብ ሪፐብሊክ ቼክ’ውን ዝምለስ እዩ።"

መራሒ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ሽዱሽተ ኣባላት ስድሮኦምን ብወገኖም፣ ብዝተፈላለያ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ልዕሊ 30 ሚልዮን ዶላር ከዚኖም ከምዘለው ኣቃሊዑ አሎ። እንተኾነ ስድራቤት ኬንያታ ገንዘብ ከምዝሰረቁ ሓባሪ ጭብጢ የለን።

መብዛሕትኡ በቲ ‘ሰነድ ፓንዶራ’ ዝተቃለዐ ሓበሬታ ሕጋዊ ተግባር እዩ። ንመብዛሕተኦም ተግባራት ዘመሳስሎም ሓደ ነገር ግን አሎ። ርእሰ ከተማ ብሪጣንያ ዝኾነት ለንደን፣ ከምኡውን ከም ደሴታት ቨርጂን ብሪጣንያንን፣ እቲ ገንዘብ ዝኽዘነለን ከባቢታት ኮይነን አለዋ ::

ሓላፊት ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ረቸል ዴቪስ ቲካ "አብ ሚስጢር ዝኾነሉ ስፍራ፣ ንብረት እንተገይርካ፣ አብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመዝገባን ዝነጥፋን ኩባንያታት ተጠቂምካ ‘ስውር ንብረት’ ክትውንን ክትዕድግ ይካኣል እዩ። እዚ ክባሃል ከሎ ግና፣ ሞያዊያን፣ ኪኢላታት ሒሳብ፣ ሰብ ሞያ ሕጊን ካልኦትን ዝሓቆፈ እዩ። ንገበነኛ ሰባትን አዘዋወርቲ ገንዘብን፣ ንብረቶምን ገንዘቦምን አብ ወጻኢ ሃገራት ንክሓብኡ ይሕግዙ ኣለው። "

አብ’ዚ ተጓንፎ’ዚ፣ ገዛኢ ፓርቲ ብሪጣንያ ተጠቃሳይ ኮይኑ አሎ። ነቲ ፓርቲ ብገንዘብ ዝድግፉ ውልቀ ሰባት ከይተረፉ፣ አብ’ዚ ይዝረበሉ ዘሎ ብልሽውና ተኣሊኾም እዮም። ቻንስለር ሪሺ ሱናክ ትማሊ ሶኑይ ክዛረቡ ከለው "ሽም ለንደን አብ ልዕሊ ግብሪ ተዓይኑ ንዝብል ሓበሬታ ነጺጎምዎ። መንግስቲ ንዓለምለኸ ብልሽውና ዝህቦ ግብረ መልሲ ሎሚ’ውን ተሪር እዩ" ኢሎም ።