ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዶክን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ላዕላዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ዓብዱልፈታሕ ኣል ብርሓን ቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዶክን ኣብ ካርቱም ተራኺቦም:ተዘራሪቦም ::። ብሚንስተር ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ ሱዳን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘብጽሐ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ክልቲኣውን ዞባዊን ጉዳያት ምዝርራቡ'ውን ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ዓብደላ ሓምዶክ'ውን ዝተዘራረበ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሓዲሽ ምዕባለታት'ውን ሓሳባት ከምዝተለዋወጡ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሱዳን ናይ'ዚ እዋን'ዚ ኣደ መንበር ኢጋድ'ያ።