ኣብ መንጎ እስራኤልን ጉጅለ ዕጡቓት ሓማስን ግጭት እናብኣሰ ኣብ ዝኸደሉ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፍፀመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ሓማስ ምሟቶም ተሓቢሩ።
ሓማስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ከተማ ጋዛ መራሒ ወታሃደራዊ ስርሒት ባሰም ኢሳን ካልኦት ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሰበስልጣንን በቲ መጥቓዕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ሎሚ ረቡዕ ከምዝገለፆ ኢሳን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስን ሓዊሱ ናይቲ ጉጅለ ሓላፊ ምህንድስናን ሓላፊ ናይ ሳይበርን ምምዕባል ሮኬትን እውን ተቐቲሎም ኣለው።
ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፍልስጤማዊያንን እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ጋዛን እየሩሳሌምን ግጭት ተጋዲዱ ቀፂሉ ኣሎ።
ብመሰረት ሚኒስትር ጥዕና ጋዛ ወታሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል ዒላማታት ናይ ሮኬት መወንጨፊ ቦታታት፣ኣብያተ ፅሕፈት ስለያን መንበሪ ገዛውቲ መራሕቲ ሓማስን እዮም ብዝበለቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ጋዛ 13 ህጻናት ሓዊሱ ብውሑዱ 48 ፍልስጤማዊያን ሞይቶም ኣለው ።ኣስታት 300 ካልኦት ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብመሰረት ሰበስልጣን ጥዕና ብናይ ሓማስ ናይ ሮኬት መጥቓዕታት ትማሊ ሰሉስን ሎሚ ንጉሆ ረቡዕን ሽዱሽተ እስራኤላዊያን ሞይቶም ኣለው ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እዚ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዕፁው ኣኼባ ክዘራረብ መደብ ሒዙ ኣሎ።