ዋሽንግተን —
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ ዝምልከት ሎሚ ሰሉስ ዕጹው ኣኼባ ከካይድ እዩ።
ወትሃደራዊ ኣዛዚ’ታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ልፍንታዊ ምምሕዳር ሲቪልን ሰራዊትን ኣብቂዑ ኣሎ። ሃገራዊ ህጹጽ እዋን’ውን ተኣዊጁ ኣሎ’ ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።
ጀነራል ቡርሃን ወሲኹ "እቲ ቤት ምኽሪ ስግግር ዝፈረሰሉ ምኽንያት ቆይቂ ስለዝበዝሐን ድሕነት’ታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቀን እዩ' ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ክልተ ዓመት መዝነትን ሃገራዊ ምርጫን ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምዘርክብ’ውን ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ኣብ ካርቱም ኣሜሪካዊያን ኣብ ውሑስ ስፍራ ንከዕቁቡ ተላብዩ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
Your browser doesn’t support HTML5